ጽኑዕ ሓፋሽ ህዝቢና
እሙናት ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ
ኣብ ከምዚ መዓልቲ፣ ቅድሚ ሓምሳን ሸሞንተ ዓመታትን፣ ተዘኩሩ ዝነብር ዘዴንቕ ኲናታዊ ፍጻመ ኣብ መሬት ኤርትራ ተኻዪዱ። ኢቲ ዘተኻየደ ውግእ ድማ፣ ብሓቂ ዝና ዘነበሮ ክኸውን እንከሎ። ኣብ መንጎ ክልተ መድረኻት ጎዕዞ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ መፈላለዪ ኣርእስቲ ኣስፈረ።
ኢተን መድረኻት፣ ማለት መድረኽ ምጅማር ሰውራን፣ ንዑ ዘሰዓበ መድረኽ ሙቃም ሰውራ ኣብ ድልዱል ዓንዲታትን፣ ሓያል ድልየትን፣ ዓሚቕ እምነትን፣ ዘይነቓነቕ ናይ ሓቂ መርገጺን ኢየን ነበራ።
ኢቲ ዘተኻየደ እሳተ-ጎመራዊ ሳዐታት ውግእ ድማ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብወሳኒ መልከዕ፣ ብ መገዲ ስሩዕ ሰውራዊ ሓይሊን፣ ጽኑዕ ሃገራዊ ድልየትን ኣቢሉ መሰሉ ንምምንዛዕ ወሲኑ ክም ዘሎ፣ ናብ ትዕቢተኛ ተሳዓሪ ጻላኢ ኢትዮጵያ ዘተላኣኸ ንጹር መልእኽቲ ኢዩ ነበረ።
ኣብታ ዕለት 15 መጋቢት 1964 ዓ፣ም። እቶም ካብቶም ቃዳሞት ዓሳክር ናብ መራሒ ዓዋተ ዘተጸንበሩን፣ ቃጥታዊ መምሪሒታትን ድማ ካብኡ ዘተቀበሉን፣ ከምኡ’ውን ጩራ ጽኑዕ እምነት ናይ ግድነታዊ ዓወት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ካብኡ ዘሰነቁን፣ ብጾት ስዉእ መራሒ ሓምድ ዓዋተ። ኢታ መሬት ሓራ ንምውጻእ ዘተጀመረት ሰውራ፣ ንድሕሪት ክም ዘይትምለስን፣ ትስፉ ድልየታት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምትግባር ውን ዓዲ ክም ዘይትውዒልን ወሰኑ።
ኢቶም ምሉእ እምነት ዝነበሮም ከዋኽብቲን፣ መወዳድርቲ ዘይብሎም ኣሰብኡትን፣ ምእንቲ ሓቂን፣ ጸሬ ኢቶም ክህነታዊ ሃጸይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ፣ ን ዓዋተን ብጾቱን ሒዞም ክመጽኡ ተማሕጺኑ ዘለኣኹም ሰራዊት ጸላኢ ተላዒሎም ዘዓጠቑ ኢዮም።
ጃይሆናዊያን ግን፣ ኤርትራዊያን ካብቶም ሰውራ ንምድምሳስ ተባሂሎም ዘተኸትቡ ዕሱባት ዝፍለዩ፣ ፍሉይ ዓይነት ሰብ ሙኻኖም ብኣእሙሮኦም ኣይ ሓሰቡን።
ታሪኻዊት መዓልቲ ኲናት ተጎርባ ድማ፣ ከምቲ ኣብ መደብ-ዕዩ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰፊሩ ዘጸደቀ፣ መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኮነት።
ሰራዊት ሓርነት ኣብቲ ናይ ጥምጥም ግጥምያ፣ ጅግንነታዊ ቅዲ-ኲናት ኢዩ ኣካዪዱ፣ ናብቲ ኣብ ኢድ ጸላኢ ዘነበረ ኣጽዋርን ብረትን፣ ኣብ ካዝናታቱ ድማ ዘነበረ ጠያይትን፣ ናይ ኢምዳድ ቀረባቱን ከይ ጠመተ ከኣ። በቲ ኩሉ ዝውንኖ ዘነበሮ ምቅሉል ኣጽዋር፣ ክም እምኒ፣ (ኮለ) በትሪ፣ ካራ፣ ሴፍ፣ ወዘተ…. ኢዩ ተጠቂሙ።
ዓመታዊ ምብዓል ዝኽሪ ኲናት ተጎርባ ማለት፣ መግለጺ ኣኽብሮት ነቲ፣ ሰውራ ባሕቲ መስከረም ሒዙዎ ዘጀመረ ሜላታት ጅግንነትን፣ ፊዳኢነትን፣ ትብዓትን፣ ብሓይሊ ዕርዲታት ጸላኢ ምስንጣቅን ኢዩ።
ልዕሊ’ዚ ኩሉ ከኣ፣ ደረት ኣፍ-ልቢ ህዝቢና ብ ምልካዊ ስርዓት ንሰላሳ ዓመታት ተርጊጹን፣ ከቢድ መከራን ወሪድዎን ይነብርን እናሃለወ።
ምምጻእ ዝኽሪ ኲናት ተጎርባ፣ ወለዶ ሎሚ፣ ነቲ ህዝቢና ካብ ኣስቃዪ መመንጨዊኡ ቀዲሑ፣ መሪር ስቅያትን መከራን ዘጥዕሞ ዘሎ ጭፍራ ስርዓት ኣስመራ ንምግጣም ምእንቲ፣ ተበጉሶ ንምውሳድ መንፈሱ ዘለዓዕል ኣጋጣሚ ኢዩ።
ዎ ኣሕዋት ተጋደልቲ
ስርሒት ኲናት ተጎርባ፣ ህዝቢና ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ብሙኻን ዘፈጠሮ ጅግነነታዊ ኲናት ኢዩ ነበረ፣ ኣብቲ ሽዑ እዋን፣ ተሓላቂን ወይ ባዕዳዊ ጸላኢ መግዛእቲ ንምግጣም ዝሕግዘና ደጋፊ ኪዳን ኣብ ወጻኢ ኣይ ነበረን።
ሎሞ ውን እንተኾነ ኣብቲ ንምግጣም ምልካዊ ጉጅለ ኢነገብሮ ዘለና ቃልሲ፣ ኣብ ዓቅሚታትን ኣበርኩቶን ህዝቢና ተመርኲስና ክንነቅል ኣሎና።
ብልከዕ ኢዚ ነገር ጥራሕ’ዩ ከኣ፣ ካብ ኩለን ሓይሊታት ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጥለብ፣ ኩሉ ዘለወን ጸዓታት ከካቲታን፣ ዓቅሚታተን ካድራተን ብምጥርናፍ ድማ፣ ኣብ ምጥንካር መስመር ዕላማታት ለውጢ ክውዕል ይግባእ።
ምንጋፍን ምድሓንን ህዝቢና ካብ ጭቆና ኣራዊት ስርዓት ድማ፣ ኢቲ ኣብ ቀዳምነት ዝስራዕ ዕላማ ኢዩ።
ዘል ኣለማዊ ዝኽሪን ልዑል ኣኽቡሮትን፣ ነቶም ብርሃንን ግምቢ መብራሂታት ብዶሆን ትብዓትን ኮይኖም ዝነብሩ፣ ጀጋኑ ስውኣት ተጎርባ ይኹን።
ንጅግና ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ዘሎና ኣኽቡሮት፣ ኣብዚ ክቡር መዓልቱ ንገልጽ።
ስዕረት ንምልካዊ ስርዓትን ተሓባበርቱን
ፈጻሚ ሽማግለ
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
15 መጋቢት 2022 ዓ፣ም