ስርዓት ኢሳያስ ክም ኣመሉ፣ ቅርሕንቲ ኣብ መንጎ ኤርትራዊያን እና ዘርአን ይኹስኩሶ ኣሎ።

ኤርትራዊያን ንሓደገኛ ፑሮጀክቲታት ስርዓት ኢሳያስ ብ ምስትውዓልን፣ መልከዕ ሃገርን ዜጋን ንምልዋጥ ዘዓለመ ናይ ምብቲታን ርኹስ ውጥናቱ፣ ናይ (መደብ ትምህርቲ ብቃንቃ ኣደ ኣቢሎ ህዝቢ ምድንቓሪን፣ መስረሕ ምምላስ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ዓዶም ምንጻግን፣ መሬት ካብ ቀንዲ ዋነታቱ ምምንዛዕን፣ መደብ ዲሞግራፍያዊ ለውጢ ምክያድን) ኣብ ባይታድሕሪ ምጭፍላቅ።

 

ሕጂ’ውን ኢቲ ስርዓት፣ ኣብ ዘተሓደሰ ናይ ቀደም ውጥናት ብምምርኳስ፣ ኣብ ፉሹል ሜላ ብ ምድራቅ። ንኩሉ ቅሉዕ ዘኾነ፣ ናይ ምጉዝዛይ ስልቲ ይኽተል ኣሎ። ብ መገዲ ጻጥታዊ ትካላቱ ኣቢሉ ድማ፣ ገለ ሕልናኦም ዘዓረበ ባእታት ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኤርትራ ብምኽታብ። ማሕበራዊ ፋብሪክ (fabric) ንምህራምን፣ ኣብ መንጎ ቀጸላታት ሕብረተ-ሰብ ዘሎ ስሩጽ ስጥመት ንምብትታንን። ከምቲ ኣብ ኣከለ- ጉዛይን ጋሽ-ባርካ ዘተፈጸመን ዚፍጸም ዘሎን፣ ብስም ስልጣን መንግስቲ ዘተጎልበበ፣ መስረሕ ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ገበና ምእሳሪን ምሕቃቅን የካይድ ኣሎ።

 ምጉሪባት ዘተቅሳ ዞባታት ምስ ክልል ትግራይ ድማ፣ ብ ኣጠማምታ ስለያ’ቲ ስርዓት ክም ገበን ተቆጺሩ፣ ጠንቂ ምምቓሕን ሂወት ሰባት ምሕላፍን ኮነ።

 ኢዚ ድማ ኣብ መንጎ ደቂ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ባእሲ ንምልዕዓልን፣ ቅርሕንቲን ጽልኢን ንምስራጽን፣ መንፈስ ሕነ-ሕነ ምፍዳይ ንምብራኽን፣ ኤርትራዊያን ድማ ኣብዚ መጻወድያ ንምሽኻልን ዝግበር ዘሎ ቅሉዕ ኣገባብ ኢዩ።

 

احدث المنشورات