ከም በዲርና‘ ዮም ፍራንክፈርት ፈጂር ኣስመራ፣ከርን ዎ‘‘መንደፈራ‘ዓዲ ቀይሕ‘ንቕፋ ኣቁርደት‘ባጽዕ ዓሰብ‘ ሻዓብ ኤርትራ ኢንበደ ህሌና ነቅብሎ ምድርና

 

 

ከም በዲርና‘ ዮም ፍራንክፈርት ፈጂር ኣስመራ፣ከርን ዎ‘‘መንደፈራ‘ዓዲ ቀይሕ‘ንቕፋ ኣቁርደት‘ባጽዕ ዓሰብ‘ ሻዓብ ኤርትራ ኢንበደ ህሌና ነቅብሎ ምድርና‘ኣብ ቦታ እቶም ኤርትራ ንኤርትራዊያን እንዳበሉ ዝወደቑ‘ ሐወልቲ ቡሽክን ዝነደቑ‘ጭፍራ ህግደፍ ኣዋድቃ ፈረስ እዮም ዝወድቁ;;

ብ61 መስከረም እንቢ ንመግዛእቲ ኢልና

ብጅግና ስዉእ ዓዋተ ግድሊ ፈሊምና

ካብ ምልኪ ካብ ሰገሩ ናብ ተደሚርና

መስከረም ያኣክል ክንብል ትዕድመና፣

 

ኣቦይ ሰረቀ ምስ ዓዋተ ዝደየባ

ኣዳል እታ ናይ ሐርበኛታት ታባ

ብዓዋተን ብጾቱን ንዓለም ኣዛሪባ፣

 

ጅግና ዓዋተ ናይ ሰውራና ሰነድ

እንባ ኮይኑ ንወረርቲ ዝጋርድ

ዘይሽሙ ዝህቦ ጽባሕ ይሰግድ፣

 

ኣይንድመርን እንቢ

ንመስከረም ኣብ 57 ዓመታ

ብሉጻት ደቃ ከፊላ ልእላውነታ

ሃግርና ዘራጋገጸት ኤርትራውነታ

ንኣዘዝቲ ሐይልታት መጻዋዕታ

ኢደይ ኢድካ ክንብል ኣብ ባይታ፣

 

መንእሰይ ኤርትራ ዝፍደዮ

ንጸላኢኻ እኳ ዘይትምነዮ

ኣምንትምንታ ክንድዚ ዝሳቐዮ

ንጉጅለ ህግደፍ ተሳኒና ንእለዮ፣

 

ኣቱም ደቂ ኤረ

ዝወፈረ ዘይወፈረ

ሪምና እንዳ ተደፈረ

ኩልና ጥራይ ወረ፣

 

ኣብ ድሮ መስከረም

ኣብ ጀኔቫ ሰናይ ውዕሎ

እንታይ በለ ቲ ኒሕ ዝጎደሎ፣

 

በሉ እስከ ወትሩ ሰብ ሕልና

ልሳን ህዝቦም እንቋዕ ኣኻኸበና

ኣብ ጀኔቫ ክነእውየሉ ንህዝብና

ትማሊ ኣብ ጀኔቫ ሎሚ ውን ንኹልና

መስከረም ኣብ ፍራንክፈርት ኣኪባትና፣

 

ብሐንቲ ቃል ንበገስ ብስኒት

ሎሚ ኣብ ፍራንክፈርት

ንዓመታ ኣብ ጎደና ሐርነት

ከብቅዕ ናይ ጭፍራ ህግደፍ ባርነት

ሹዑ ሸናዕ እንዳ በልካ ይኸውን ዕላል

ምስ ህዝብኻ ሐቢርካ ዓድኻ ይወዓል፣

 

ቅንያቱ ቅንያት መስከረም

እንዳ ረኤና መንእሰይ ንሞት ይዕደም

ኣብ ባይታ ወሪድካ ይፍታሕ ቲ ጸገም

ዘይንቕድሞም ወትሩ ዲና ክንቅደም።

 

ኤርትራ ንኤርትራዊያን ምስ ባሕራ

ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ድሜራ

ኣይውክሎን ንህዝብና ጉጅለ ጭፍራ፣

 

ኣይንድመርን እንቢ

ምስ ጻዕራም ህዝባ ወርቂ ብሻ

ሃብቲ ቀይሕ ባሕራን ዝኣኽላ

ሃገርና ኤርትራ ብኹላ

እንታይ ሲኢና ምስ ሃብታ ዘላ፣

 

መጸዋዕታ ንደለይቲ ፍትሒ

ኮንፈረንስ ብስኒት ብብልሒ

ብግልጹነት ብዘይ ሸርሑ

ናብ ዓወት ዘብጽሕ መሳርሒ፣

 

ኣይንድመርን ኢሉ ህዝበይ

ኣነ ናትኩም ንስኹም ናተይ

ምስ ደቂ ኤረይዩ ኩርዓተይ

ሕብይንየ ብስዉኣት ጃጋኑ ብጾተይ

ብመስዎእቲ ደቃ ነጻ ኮይና ኤረይ፣

 

ንግጥመይ ጽን በሉ ዓደቦ

ነቲ ጅግና እዝጊ ሪቢ ዝሃቦ  

ንጅግና ዓቢ እንባ ክንዲ ጎቦ

ከምዚ እንዳ በልኩ ክዛዝሞ፣

 

ሐምድ እድሪስ ዓዋተ ዓቢ ገረብ

ታሪኽ ጅግና ኣይትመንንዩ ብገንዘብ

መጽሐፍካ ጽባሕ ኣብ ዓለም ክንበብ

ሐሳዊ ሰብ ደኣሞ እንታይ ዘይዛረብ፣

 

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ« ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና«ስዕረት ንህግደፋዊያን ዓንገልቶምን« ካብ ዉሽጡ ሑሩር«ኣባል ተሐኤ«በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።

 

 

احدث المنشورات