Cultural & Information Office Of  E.L.F
Aljabha.net

المعتقلين 2Berhe Ogbazghi

ኣቦ ወምበር ተጋድሎ ሐርነት ኤረትራ ተጋዳላይ ሑሰን ከሊፋን ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ተጋዳላይ ዓብዱላሂ ሐምዶይን ብሐይልታት ጸጥታ ሱዳን ተኣሲሮም ኣለዉ» ንማእሰርቲ ጥራይ ዘይኮነስ ምእንቲ ህዝቦም ክስዉኡ ውን ድሉዋት እዮም» ሑሰን ዓብዱላሂን ተኣሲሮም ተ.ሐ.ኤ ሞይታ ማለት ኣኮነን ፡ተካእቲ ኣለዉዎም»

ኣባላት ተሐኤ ኣጆኹም ንብል ምስ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ጎንኹም ኣለና ብሜድያ ይኹን ጠበቓታት ኣውጺእና ንኣሰርትኹም ክንምክቶም ኢና..

ጃንዳ ህግደፍ ኣይትቕሰኑ ህዝብና ይሕርን ኣሎ ሴፉ ኣልዒሉ ህዝቢ ኣይድቅስን እዩ ከይተሐግሐግኩ ንሐዋሩ ኣብ ምህዳን ተቃለስቲ ዝተዋፈሩ ተዃሉ ደቂስኩም ኣይትሕደሩ»

ሱዳን ቀደም ስለምንታይ ተኽብረና ነራ፡ ቃልስና ኣብ ሜሬትና ስለ ዝነበረ መራሕትናን ተጋደልትናን ዘይተደፈሩ.. ሕጂ ግን ቃልስና ኣብ ክንዲ ኣብ ሜሬት ዓደቦና ኣብ ሱዳን ኢትዮጵያ ባይታ ምስ ገበርና ሐሲርና፡፡

ህዝቢ ይስደድ መራሕትና ይእሰሩ ደለይቲ ፍትሒ ይጭወዩ ካብ ህዝቢ ሪሒቕካ ብኸምዚ ናይ ሐርነት ቃልሲ ኣዕወትንዩ»

ያኣክል ትንክፍ ግድፍ በልዎ ክሳብ ዝጸድፍ (ክሳብ ማዓስ ህዝቢ ከም ቆጽሊ ክረግፍ)

ናይ ሐርነት ሐይልታት ወስኑ ኣብ ዓደቦኻ እዩ ዘሎ ክብረት

ያኣክል ትም ኩሉ ይፍለጦ ምስ ህዝብኻ ኮንካ ኢኻ ትዕወት

ንህዝቢ መንዚዑ ጅቡኡ ዝሐበጦ ኣዋፊሩ ኣሎ ሐሰውቲ ዑሱባት

ጃንዳ ህግደፍ ክሳብ ዘለዉ ህዝቢ ኤረትራ ቀሲኑ ማለት ዘበት..

ብኸምዚ ዶ ተዓንቂፉ ቃልስና

ብኢድ ኣዙር ዕፈና ዶ ጃጂና

ደቂ ሐርበኛ ዓዋተ ኣለና

ደጊም ኤረትራ ክኸውን ዩ ደጀና..

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍ ዝብሉ ይንበረልና